ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ካብ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ንኣንፈት ሸራሮ ኣብ
ዝወስድ መንገዲ ፍሉይ ሽሙ ማይ ሑፃ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዝርከብ ሕክምና ሰራዊት ምክልኻል ሓለፍቲ ንስራዊት ክዉዕል ተባሂሉ ንዝመፀ መድሓኒት ናብ ከተማ ሸራሮን ካልኦት ከተማታትን ዝርከቡ ወነንቲ ፋርማሲታት ወሲዶም ብምሻጥ
ኣብ ውልቃዊ ረብሕኦም የውዕልዎ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።
ካብ’ቶም ኣብቲ ግዕዙይ ተግባር ዝተዋፈሩ ሓለቓ ሚኢቲ ዳዊት ዝተባሀል ከም ዝርከቦም እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
ሓለቓ ሚኢቲ ዳዊት ካብቶም
ብሓላፍነት ኣብቲ ሕክምና ዝሰርሑ ሓደ ኮይኑ፤ ዘለዎ ሓላፍነት
ተጠቂሙ ብ9 ጥሪ 2006 ዓ.ም መድሓኒት ብስራሕ ኣምሲሉ ብምዉፃእ ብዋዝ ዝዓይነታ መኪና ፅዒኑ ኣብ ከተማ ሸራሮ ጥቃ ወልዋሎ
ሆቴል ንዝርከብ ኣማኒኤል ፋርማሲ ከም ዝሸጦ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ
ይገልፅ፣