Friday, January 31, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ትካል ፍትሓዊ ልቃሕን ዕቋርን ደደቢት ኣብ ኣቆፃፅራ ሰራሕተኛ ብግዕዝይና ዝተጨማለቐ ከም ዝኾነ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ገሊፆም፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፍትሓዊ ልቃሕን ዕቋርን ደደቢት ኣብዚ ቅንያት ልዕሊ 70 ሰራሕተኛ ክቖፅር ከም ዝኾነ ኣብ ዘዉፅኦ ክፍቲ ናይ ስራሕ ምልክታ  2,107 ዜጋታት ንዉድድር ተመዚጊቦም ዝቕረቡ እንትኾኑ፤ ካብዚኦም ብሕጋዊ መንገዲ ተፈቲኖም ዝሓለፉ ግና 55 ሰባት ጥራይ ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

ሓለፍቲ እቲ ትካል 15 ሰባት ብላዕ ንዝሓቡን ንቤተሰቦምን ኣቐዲሞም ቅድሚ እቲ ምክልታ ስራሕ ምዉፅኡ ዝወድእዎ  ሓቀኛታትን ሕጋዊያን ንኽመስሉን ኣብ እዋን እቲ ፈተና ነቶም ብላዕ ዝሓቡን ቤተሰቦምን ምስቶም 55 ሰባት ክሳተፉ ብምግባር  ብሕጋዊ መስርሕ ተወዳዲሮም ከም ዝሓለፉ ኣምሲሎም ከም ዝቖፀርዎም ንፈለጥቲ ውሽጢ እቲ ቤት ፅሕፈት መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

ስእነት ስራሕ ልዕሊ ማንም እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ተጋዲዱ ከም ዘሎ ነዛ ሓንቲ ምልክታ ክንዲ ዝኣክል በዝሒ ስራሕ ደላዪ ምምዝጋቡ እኹል መረዳእታ ከም ዝኾነ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ብምልኦም ንኽቑፀሩ ተመዚቦም ዝነበሩ ክልተ ሽሕን ሓደ ሚኢቲን ሸዉዓተን ወገናት መብዛሕትኦም ብማስትሬት ድግሪን ትሕቲኡን ዝተመረቑ እኳ እንተነበሩ፤ እቶም ብጉቦምን ቤተሰበን ዝተቖፀሩ ግና ካብ ዲፕሎማ ዝሓልፍ ትምህርቲ ከም ዘይብሎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣