ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ካብ ዝርከባ ነፍሲ ወከፍ ጣብያታት ዓሰርተ ዓሰርተ ሰባት ዝተወከልሉ ኣኼባ፤ ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ገባር ሽረ ተባሂሉ ኣብ
ዝፅዋዕ ስታድዮም ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ዝተኻየድ እንትኾን፤ ኣጀንዳ መእከቢ ነጥብታት።-
“ዝኾነ ይኹን ሰብ መሬት ይሃልዎ ኣይሃልዎ መዳበርያ ክወስድ ከም ዘለዎ፤
በብ ከባቢኻ ፀጉረ ለወጥ ምክትታል ምሓዝን ምሕባርን፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ንዝካየድ መረፃ ብዛዕባ ክገብርዎ ዝግብኦም ቅድመ
ምድላዉን ሕድ ሕድ ኣባል ብፅሒት ስራሕን ብዝብል ዝርዝር ኣቕሪቦም” ከእምኑ እዃ እንተፈተኑ በወገን እቶም ተኣከብቲ ግና ዝኾነ
ይኹን ደጋፍ ወይ ተቓዉሞ ከም ዘይቐረበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቲ “ወፍሪ
ተሃድሶ መለስ ንሰላም፤ ልምዓትን ዴሞክራስን ታሕተዋይ ኣመራርሓ” ዝብል ፅሑፍ ዘለዎ ማልያ ከዲኖም ዘካይድዎ ኣኼባ ብቐንዱ ነቲ
ዝበዝሐ ታሕተዋይ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ጥቕኡ ብዘሎ ኣባል ህወሓት ዝበሃል ብዘይረብሕ ህያብ ኣተዓሻሽኻ መሳርሒ ዕድመ ስልጣንካ
ንምግባር ዝዓለም ከም ዝነበረ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ እንተኾነ ግና ህዝቢ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ልክዕ ከምቲ ካልእ ህዝቢ ትግራይ
ንመታለሊ ኣካይዳ እቲ ስርዓት ኣፀቢቑ ነቕሕሉ ስለ ዘሎ ኣብቲ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ዓብዪ ትኹረት ተዋህብዎ ዝተኻየደ ኣኼባ
ስቕታ ምምራፁ፤ ኣካል ተቓውሞ ምዃኑ ንተኣከብቲ መሰረት ብምግባር እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ፣