Monday, January 6, 2014

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን የጠፋፍኡ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣




ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ንስራሕ መፈፀሚ መሰረት ልምዓት ተባሂሉ ዝተሰለዐ ልዕሊ 3 ሚልዮን ብር ዘጠፋፍእዎ ኮይኖም፤ ኣብቲ ምጥፍፋእ ተግባር ካብ ዝተዋፈሩ ኣማሓደርቲ እታ ወረዳ ዝነበሩ ኣብረሃለይን ካልኦት መሳርሕቶምን ብምትሕብባር ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ፣
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ብሰንኪ ምጥፍፋእ ገንዘብ ስራሕቲ መደብ ናይቲ ወረዳ ከቋረፅ ከም ዝተገደደ ሓዱሽ ዋና ኣመሓዳሪ ኮይኑ ዝተመደበ ኣይተ ቡሩህ ዘፈሩ  ዝገለፀ ኮይኑ። ንሱ ኣስዒቡ ሰረሐይ ክጅምር እንተኾይነ እቲ ብባዓል ኣብርሃለይ ዝተጠፋፋአ ገንዘብ  ቀልጢፉ  ሓደ  መዕለቢ ክግበረሉን ካልኦት ኣብቲ ተግባር ዝተዋፈሩ ምፅራይ ዘድልዮ ጉዳይ ከም ዘሎን ከም ዝገለፀ ተፈሊጡ፣
   ኣብ መወዳእታ እቲ ሓዱሽ ተሸያሚ ኣብ’ቲ ብዘይምዑሩይን  ብልሹው ኣሰራርሓን ነጊስዎ ዝፀንሐ ምምሕዳር ኣትዬ ክሰርሕ ተፀጊሙ ከም ዘሎን። ናብ ሓደጋ  ቅድሚ ምውዳቐይ ቅልጡፍ ፍታሕ ይገበረለይ ክብል ብ20 ታሕሳስ 2006 ዓ/ም ናብ ዝመልከቶም ሓለፍቲ ዞባታት ክልልን ዘቕረቦ ጥርዓን። ኣብቲ ዝተጠፋፍአ ገንዘብ ኢድ ስለ ዘለዎም ኣውንታዊ ሰማዒ ክረክብ ከም ዘይከኣለ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣