Sunday, February 23, 2014

ብሃገር ለኸ ደረጃ ኣብ መቐለን ባህርዳርን ብተወሳኺ ኣብ ስለስተ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፤ ኣዋሳን ድሬዳዋን ብፕላዝማ ስክሪን ኣብ ዝዋሃብ ዘሎ ስልጠና ኣመራርሓ ብዙሕ ሕቶታት ይለዓል ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ኣብቲ ብላዕለዋይ መሪሕነት ኣይተ ኣዲሱ ለገስን ካልኦት ክልተ ሚኒስተር ዴኤታትን እናተኣለየ ንኣመራርሓ ስርዓት ጉጀል ኢህወዴግ ዝዋሃብ ዘሎ ስልጠና ሓሙሽተ ዝተዋፅኡ መፃሕፍቲ ን41 መዓልቲታት ዝቐረቡ እንትኾኑ እቲ ቀዳማይ መፅሓፍ /ህንፀት ዴሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ/ ዝብል ዝተወደአ እንትኾን ብካልኣይ ደረጃ ድማ ፖሊሲን ስትራተጂን ኢትዮጵያ ዝብል ካብ ሕዚ ንደሓር ክቕፅል ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።
ኣብ ባህርዳር ካብ ዝርከቡ 985 ሰልጠንቲ ዉሽጢ ካብ ዝተለዓሉ ሕቶታት፣-
Ø መራሕትና ንህዝብና ንዓናን ኣእምሮና ዝትንክፍ ፀርፊ እናፀረፉና እዮም፣ ንምንታይ ኣምሓሩ ትምክሕተኛታትን ትዕቢተኛታትን ይብሉ?
Ø መሬት ሃገርና ንምንታይ ንሱዳን ተሸይጡ ብከመይ ተሸይጡ?
Ø ኣብ ዙርያ ኣከፋፍላ ግብሪ ፍትሓዉነት ስለ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ኣብ ምጭንናቕ ይርከብ ንምንታይ ዘይረአ ዝብሉን ካልኦትን ከም እተለዓሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ብዛዕባ ግብሪ ዝተለዓለ ሕቶ ብቶም ኣከብቲ ምላሽ ዝተዋሃቦ እንትኾን። እቲ ዝተረፈ ሕቶ ግና ልዕሊ ዓቕምና እዩ ብምባል ሸፋፊነሞ ከም ዝሓለፉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ዝከየድ ዘሎ ብፕላዝማ ዝወሃብ ዘሎ ስልጣና ሓደሽተ ምሕዞታት ስለዘለው እንተይኮነስ ነቲ ህዝብን ሃገርን እናበደሉን እናመዝመዙን ዝፀንሕሉ 23 ዓመት ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ብህዝቢ ኢትዮጵያ ኣጋጢምዎም ዘሎ ተንፅሎ ኣብ ስጋት ስለዘውደቖም ምኳኑ ገለ ወገናት ይዛረብሉ ከምዘለው እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።