Tuesday, February 13, 2018

አዴኃን ኣብ ጎንደር ጯሂት ኣብ ዝተብሃለ ወረዳ ወታደራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመን፣ ናይቲ ወረዳ ቤት ፅሕፈት ተቓፂሉ፣ ኣብ ልዕሊ ፌደራል ፖሊስ ድማ ስጉምቲ ተወሲዱ።



  ኣብ ጎንደር ወረዳ ጯሂት ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ምንቅስቓስ  (አዴኃን) ኣብ ናይቲ ወረዳ ቤት ፅሕፈትን ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ፌደራል ፖሊስን ፀረ ሽፍታ ተባሂሎም ዝፅዉዑ ግብረ ሓይልን ዘየዳግም ስጉምቲ ወሲዱ።
  ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ፌደራል ፖሊስን ፀረ ሽፍታን ናይ ምሸት ዳህሳስ ዝገብሩሉ ቦታን መዕረፊኦምን እቶም ናይ ኣዴሃን ተቓለስቲ እኹል መፅናዕቲ ብምግባር ብ4 ለካቲት 2010 ዓ.ም ለይቲ ሰዓት 9 ኣብ ናይቲ ወረዳ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ነቶም ሓለዋ ብምዕፋን ኣብቲ ቀፅሪ ንዝነበረ ናይ ኣኼባ ኣዳራሽ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ዘዕነዉዎ እንትኾኑ፣ ኣብቲ ውሽጢ ንዝነበሩ 4 ፌደራል ፓሊስን 7 ፀረ ሽፍታን መጥቃዕቲ በፂሑዎም እቶም ሸሞንተ ሽዑ ንሽዑ እንትሞቱ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም ናብ ጎንደር ሪፈራል ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱ ተገሊፁ።
  እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ሓበሬታኡ ወሲኹ ከም ዝገለፆ፣ ቃልስና ናይ ዜጋታት ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰል ዝተኸበረላን ነዚ ዝሕለቑ ነፃን ገለልተኛን  ናይ ዴሞክራሲ ትካላት ዝቋቖሙላ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሉእላዊ ናይ ስልጣን  በዓል ዋና ንክኸውን፤ ሓድነት ህዝብታት፤ ፍቕርን ማዕርነትን ዝተጠናኸረላ፤ ምዕብልትን ዴሞክራሲያዊትን ኢትዮጵያ ንምርኣይ ስለ ዝኾነ ነዚ ድማ ዘይንኸፍሎ መስዋእቲ የለን ክብል ገሊፁ።

No comments:

Post a Comment