Friday, April 18, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ናብ 8 መጋቢት 2006 ዓ/ም ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ወያነ-ኢህወዴግ ተቐቲሎም ከም ዝተረኽቡ ተፈሊጡ።



ብመስረት እቲ ሓበሬታ  ኮንስታብል ዘነቡ ኣለማዮህን መኳንንት በርሀን ዝተብሃሉ ክልተ ኣባላት ፖሊስ እቲ ስርዓት ኣብ መእተዊ ከተማ ጎንደር ቀታሊኦም ብዘይተፈልጠ ተዘርጊሖም ከም ዝተረኽቡ  ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ ገለ ነበርቲ ከተማ ጎንደር ኮራኹር ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስን ኣመሓደርትን ካብቲ ዝገብርዎ ግዕዙይ ኣካይዳ እንተዘይ ተቖጢቦም ውዒሎም ሓዲሮም ናይ ኢዶም ክረኽቡ  እዮም ዝብል ወግዒ ብዘፊሑ ከምዘሎ ከብቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።