Friday, April 18, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ወልቃይት ኣብ ዝርከብ ፕሮጀክት ፋብሪካ ሽኮር ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብ30 መጋቢት 2006 ዓ/ም ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ብሰበስልጣን ወያነ ኢህወዴግ ዝፍፀም ዘሎ ናይ ግዕዝይና ስራሕቲ ብትሪ ከም ዝኾነንዎ ተፈሊጡ።



እቲ ሓበሬታ ከም ዝገለፆ ኣብቲ ፕሮጀክት ፋብሪካ ሽኮር ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት  ብኪሮስ ቢተው ናይ ክልል ትግራይ ምክትል ኣመሓዳርን ሓላፊ ናይ ገጠር ልምዓትን ኣብ ዝገበረሎም ኣኼባ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ዓበይቲ ቅሬታታትን ፅልኣትን  ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይ ሓላፍነት ፀፍሒ ዘሎ ኣመሓዳሪ ግዕዝይና ከም ቀንዲ መሳርሒ ገይሩ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብሉ ኣቃሊዖም።

  እቶም  ሰራሕተኛታት ኣስዒቦም ‘”ካባኻ ጀሚሩ ክሳብ ታሕተዎት ኣማሓደርቲ ኣብ ግዕዝይና  ጢሒልኩም ኢኹም ክብሉ ድሕሪ ምግላፆም”  በቲ ናይ ህዝቢ ሪኢቶ ዝተናደደ  ኪሮስ ቢተው  “እዚ ናይ ወረኛታት ዘረባ’ዩ፣ እንተሃለወ‘ውን ዘገርም ኣይኮነን ስቕ ኢልኩም ስራሕኹም ስርሑ” ክብል ከም ዝመለሰሎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
    
    ኣብ መወዳእታ  በቲ ኣማሓዳሪ ዝተውሃበ ናይ ሓሶት መልሲ ዘቖጠዖም ሰራሕተኛታት ናይቲ ፋብሪካ ብወገኖም  ኣብ ግዕዝይና ምጥሓል ገበን ኣይኮነን ዲኹም ትብሉና ዘለኹምስ ዋላ ንሕና ብዛዕባ ግዕዝይና ክንነቅፍን፤ ንምንታይ ክንብልን መሰል ስለ ዘይብልና እዩ? ክብሉ ከም ዝተዛረቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።