Thursday, April 17, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ልዕሊ 500 መንበሪ ኣባይቲ ንክፈርሱ ሓላፊ ቤት መዘጋጃ ምምሕዳር ሰሜን ጎንደር ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ጎንደር ብተለምዶ ጨርቃ ሰፈር እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብሕጋዊ መንገዲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዝተሰርሑ ልዕሊ 500 መንበሪ ገዛውቲ ንክፈርሱ ናይ ከተማ ጎንደር ቤት መዘጋጃን ናይታ ከተማ ቤት ምኽርን ብሓባር ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ ነባሪ ህዝቢ ናይታ ከተማ ብፍላይ ድማ እቶም ግዳያት ዝኾኑ ዜጋታት እናሰራሕና እናሃለና ስቕ ኢልኩም ትሪኡና ነይርኹም ንምንታይ ሽዑ ደው ዘይተብሉና? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ብምልዓል ደምና ክፈስስ እንተኾይኑ ‘ምበር ገዛና ኣይተፍርስዎን ዝብል ተቓውሞ የልዕሉ ከም ዘለው ተፈሊጡ።