Wednesday, April 23, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ሑመራ ንመሬት መቐሎ ኣመልኪቱ ካብ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ዝወረደ ሓዱሽ መምርሒ ከም ዝተቓወምዎ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



እቲ ብ28 መጋቢት 2006 ዓ/ም ካብ ምምሕዳር እቲ ዞባ ብዛዕባ መቖሎ ናይ ሕርሻ መሬት ኣመልኪቱ  ዝወረደ ሓዱሽ መምርሒ ነበርቲ ከተማ ሑመራ ከም ዝተቓወምዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ዝርዝር   ነጥብታት ናይቲ ሓበሬታ ድማ 10 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ዝነበሮ ዜጋ ናብ 5ተ ሄክታር ክወርድ፤ ከምኡዉን ተወላዲ እቲ ከባቢ ዝኾነ 5 ሄክታር ካብ ካልእ ከባቢታት  ዝመፀ ግን 2 ሄክታር  ይረክብ ዝብልን ካልእን ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ዜጋታት ኣፈላላይ ዝፈጥር ስለዝኾነ ኣይንቕበሎን ብምባል ህዝቢ ብሓደ ድምፂ ከም ዝተቓውሞ ተፈሊጡ።

     ነዚ ዘይሕጋዊ ኣሰራራሓ ፍታሕ ንኽግበረሉ ነበርቲ ብዝመረፅዎም ተወከልቶም ኣቢሎም  ናብ ከተማ መቐለ ብምኻድ ዘቕረብዎ ጥርዓን እቶም ናይ ክልል ሓለፍቲ ብወገኖም ነቶም ንኽጠርዑ ብህዝቢ ዝተልኣኹ ንኣቶ ግርማይ ተኽሊት፤ሃለቃ ካሓሳይ ብርሃነ ፤ንኣቶ ተስፋይ ኣለባቸው፤ንኣቶ ብርሃነ ተስፋኪኤል ንዝተበሃሉ ንፁሃት ዜጋታት ሕቶ ህዝቢ ሒዞም ብምቕራቦም ጥራሕ ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝኣሰርዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።