Wednesday, April 23, 2014

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ናይ ፋይናንስ ሓለፍቲ ምስ መሳርሕቶም ተማሻጢሮም 1.7 ሚልዮን ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ከም ዘጠፋፍእዎ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።



ብመሰረት ምንጪታትና እቶም ነቲ ገንዘብ  ዘጠፋፍኡ ሓለፍቲ ፋይናንስ ከተማ መቐለ ብህዝቢ ተኸሲሶም ብ15 ለካቲት 2006 ዓ/ም ናብ ፍርዲ ቀሪቦም  ካብ 8 ወርሒ ክሳብ ዓመት ዝተፈርተዱ ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ፋይናንስ ሰራሕተኛታትን ተሓባብርትን
1.  ኣስመላሽ ማሓሪ ላዕለዋይ ሓላፊ
2.  ጌታቸው ግርማይ ሓላፊ ጨንፈር
3.  ወ/ሮ መድህን ኣማረ
4.  ኣማኒኤል ስራፍኤል                   
5.  ወ/ሮ ለተብርሃን ገ/ብርሂወትን
6.  ወ/ሮ ሮማን ግደይን ዝተብሃሉ ምዃኖም  እቲ ሓበሬታ ገሊፁ፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብወገን ህዝቢ 1.7 ሚሊዮን ብር ካብ ድኻ ህዝቢን  ሃገርን ሰሪቕካ 8 ወርሒ ወይ’ውን ዓመት ኢልካ ምፍራድ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ  ንኽስርቁ ዝዕድምን ኣተባባዕን ተግባር ምዃኑ ኣብ ከተማ መቐለ ማዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከም ዘሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ  የመልክት።