Saturday, April 26, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ማይ ካድራ ብሰንኪ ሕፅረት መሰረተ ልምዓት ዕለታዊ መነባብሮኦም ክመርሑ ሰለ ዘይከኣሉ ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ይገልፁ ምህላዎም ተሓቢሩ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ   ነበርቲ ከተማ ማይ ካድራ ብስንኪ  ሕፅረት መብራህትን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ዝተፈላለዩ  ሰብ ወልቀ ትካላት  ዝወጠንዎ  ስራሕቲ ከቋርፅዎ  ይግደዱ ብምህላዎም ነቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ፀገም ፍታሕ ንኽግበረሎም ንዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኖም ኣብ ዘቕረብሉ ግዜ ካብ መብፀዓ ሓሊፉ ኣብ  ተግባር ክረአ ስለዘይከኣለ ነበርቲ መረረቶም ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።

    ብተወሳኺ ንነበርቲ ማይ ካድራ ንምዕሻው ተባሂሉ ቅድሚ ስለሰተ ዓመት  ዝተወሰኑ ናይ  ኤሌክትሪክ ኣዕኑድ ተተኺሎም’ኳ እንተለው ዛጊት ዝተርኣየ ለውጢ  ብዘይምህላዉ ነበርቲ እቲ ከባቢ መግለፂ ፅልኢቶም ብ12 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም 6ኣዕኑድ ነቒሎም ብምድርባይ ብመደናገሪ መብፅዓታት ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ኣይንታለልን ክብሉ መረረቶም የስምዑ ከምዘለው ካብቲ ከባቢ ዝበፀሐና ሓበሬታ የመልክት።