Saturday, April 26, 2014

ኣብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ ከተማ ዓድግራት ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዝምሃሩ ተምሃሮ ዋሕዲ ቀረብ ምግብን ንዘጋጠሞም ናይ ምምሕዳር ሽግር ምኽንያት ብምግባር ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ኣድማ ምክያዶም ተፈሊጡ።



እዞም ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ከተማ  ዓድግራት  ነቲ ትካል ተባሂሉ ዝስላዕ ናይ ገንዘብ ባጀት በቶም ሓለፍቲ ስለ ዝጠፋፋእ  ንፀገም  ማሕበራዊ መነባባሮ  ምቅለዖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ናይ ንጎሆ ቁርሶም መብዛሕቲኡ ግዜ ይቋረፅ ስለ ዘሎ ኣብ ምምሃር ምስትማሃር ዓቢ ዕንቕፋት ስለ ዝፈጠረሎም  ተቓውሞ  ከካይዱ ከም ዝተገደዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቲ ሓበሬታ  ኣስዒቡ  ነቲ ብተማሃሮ ዝቐረበ ማሕበራዊ ፀገም ኣሎ፤ ፅሬት ትምህርቲ የለን፤ ተማሃራይ ኮነ ኢልኩም ክወድቕ ትገብሩ ኣለኹም ዝብሉን ካልኦትን ጥርዓናትን ተቓውሞን ብምስማዕ ኣብ ኣኬባ ከም ዝገምገሙ ዝፍለጥ ኾይኑ ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ፕረዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝኾነ ዶ/ር ጋይም ክነስተኻኽሎ ኢና ዝብል ምስሉይ ምላሽ እኳ እንተሃቦም ዛጊት ግን ዝተረአየ  ለውጢ ከም ዝየለ ተፈሊጡ።

  እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሰንኪ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዘሎ ማሕበራዊ ፀገማትን ግዕዝይና  ካብ 170 ተማሃሮ ዲፓርትመንት ኢንጂነሪንግ እቶም 30 እንትሓልፉ እቶም 140 ተማሃሮ  ግን ከምዝወደቑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

  ብተመሳሳሊ  ብ2 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ኣብ መንጎ  እቶም ተማሃሮ ግጭትን ባእስን ተለዒሉ ምንባሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  እዚ ግጭት ክለዓል ዝኸኣለ ብተላኣኣኽቲ ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ስርዓት ብዝኾኑ መምህራን ምኳኑ እናተፈለጠ  ነቲ ዝረአ ዘሎ ጎነፅ ንምፍታሕ  ብዝብል ምስሉይ ዝኾነ ኣኼባ ብተሓጋጋዚ ፕረዝደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዶክተር ኣይናኣለም ዝተኻየደ ናይ ገምጋም ኣኬባ እንተኾነ’ውን ተማሃሮ ካብ ዘቕረብዎ ሓሳብ “እዚ ባእሲ ኮነ ኢልኩም ባዕልኽኹም ዝፈጠርኩሞ  ሰለዝኾነ ንሕና እንግምግሞ የብልናን ነዚ ድማ ባዕልና ክንፈትሖ ኢና” ብምባል  ነቲ ኣኼባ ረጊፆሞ ከም ዝወፁ እቲ ዝበፃሓና ሓበሬታ የመልክት።