Tuesday, July 8, 2014

ውድባዊ መግለፂ ብመንግስቲ የመንን ስርዓት ወያነንን ኣብ ልዕሊ ዋና ፃሓፊ ጉንበት 7ተ ተጋ/ይ ኣንዳርጋቸው ፅገ ዝተገብረ ናይ ዓፈና ተግባር ብምቅዋም ካብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ዝተዋሃበ ውድባዊ መግለፂ፣፣



ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ኣብዞም ዝሓለፉ 23 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ገበናት እናፈፀመ ፀንሑን ኣሎን፣፣ ውልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ ህዝቢ እናጨፍጨፍካን ህዝባውያን ተቓለስቲ እናጨወኻን እናቐንፀልካን ህዝባዊ ማዕበል ከምዘይዕገት ካብ ሕሉፋት ኣያታቱ ክማሃር ምተገበአ ነይሩ፣፣

 ምኽንያቱ እቲ ትማሊ ብናቱ መርሕነት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ብ10ተታ ኣሻሓት ጀጋኑ ምእንቲ ህዝቦም ክብሉ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ወዲቖምን ፊት ንፊት ገጢሞምን መስዋእቲ ብምኽፋሎም እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ብዝላዓለ ህልኽን ሕራነን ኽቕፅል እንበር በቲ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ተሳንቢዱን ተስፋ ቆሪፁን እቲ ቃልሲ ንድሕሪት ክምለስን ትርጉም ኣልቦ ክኸውን ኣይተራኣየን፣፣

ምኽንያቱ ቃልሲ ክባሃል ከሎ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ከፊልካ ህዝብኻ ካብ ዓፈናን ጭቆናን ኣውፂእኻ ንህዝብኻ ፍትሒ፤ ማዕርነትን ዲሞክራስን ንምስፋን ስለ ዝኾነ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣንዳርጋቸው ፅገ ኣጋጢሙ ዘሎ ፍፃመ ድማ ህያው’ዩ።

ይኹን’ምበር ዴሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት  እዚ ብመንግስቲ የመን ኣብ ልዕሊ ተጋዳላይ ኣንዳርጋቸው ፅገ ዝተፈፀመ ታሪኻዊ ጌጋ ኣብ ልዕሊ ውፅዕ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ምዃኑ ብምእማን ነቲ ተግባር ብትሪ ይኹንኖ፣፣

ንምጥቕላል እዚ ናይ ተጋደላይ ኣንዳርጋቸው ፅገ ስለ ህዝባኻ ምውፋይን መስዋእቲ ምኽፋልን ድማ እቶም ዝሓለፉ ጀጋኑና ዕላማ ኣሚኖም ምእንተ ህዝቦምን ሃገሮምን እናኸፈልዎ ናይ ዝመፁ ከቢድ ዋጋ መቐፀልታ ምዃኑ ኣሚኑ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣንዳርጋቸው ፅገን ካልኦት ተቓለስትን ዋጋ ዝኸፈልሉ ቃልሲ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ቃልሱ ከሐይልን ዕድመ ናይዚ ውልቀ መላኺ ስርዓት ከሐፅርን በዚ ኣጋጣሚ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ይፅውዕ፣
ነባሪ ታሪኽ እምበር ነባሪ ህይወት የለን!!
ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት
2 ሓምለ 2006 ዓ/ም
ዓወት ንውፁዓት