Thursday, July 24, 2014

ኣብ ዞባ ማእኸል ነበርቲ ወረዳ ኣሕፈሮም ምስ ዴምህት ርክብ ኣለኩም ብዝብል ንፁሃት ሰባት ኣብ ከተማ መቐለ ተኣሲሮም ይሳቐዩ ምህላዎም ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



  ነበርቲ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዉንጥሕ ቁሸት ለይቶ ብ21 ሚያዝያ 2002 ዓ/ም ዴምህት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ወያነ-ኢህወዴግ ብዝወሰዶ በርቃዊ መጥቃዕቲ  ከቢድ ክሳራ ከም ዘብፅሐ  ዝፍለጥ ኮይኑ ዓንፆዓንፆ ናይዚ ድማ ንነበርቲ ናይቲ ከባቢ ኣብቲ እዋን ንሱ ንዴምህት መገዲ መሪሕኹም ሰራዊትና ክድምሰስ ዓቢ ተራ ነይርኩም ብዝብል ልኡዃት እቲ ስርዓት ንኑፁሃት ሰባት ብዘይዉዓልዎ ገበን ኣብ ከተማ መቐለ ክሳብ ሕዚ ኣሲሮም የሳቕይዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣፣

   ካብቶም ኣብ ከተማ መቐለ ተአሲሮም ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ንፁሃት ዜጋታት  ፀጋይ ሞጎስ፤ በሃበሎም መለስን ዮናስ ምስግናን ዝተብሃሉ እንትኾኑ፣ ብሓፈሻ ድማ ካድረታት እቲ ስርዓት ማዓልታዊ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ  ምስ ዴምህት ተራኺብኩም ተብልዑ ተስትዩ ኣለኹም እናተብሃሉ ክኣተዉን ክወፁን በቶም ካድረታት ይንገላትዑ ምህላዎም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣