Thursday, July 24, 2014

ኣብ ከተማ ሑመራ ብ4ተ ሓምለ 2006 ዓ/ም ዝተኻየደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኮንፈረንስ እተን ተኣከብቲ ህወሓት ኢህወደግ ፃማ ቃልስና ኣይከፈለናን ብምባል ኣብቲ መደረኽ ሓያል ክትዕ ከም ዘልዓላ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም፣፣



እቲ ኣብ ከተማ ሑመራ ዝተኻየደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኮንፈረንስ ሰበ-ስልጣን ህወሓት-ኢህወዴግ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቡዙሕ መዳያት እናተሳተፋ ተረባሕቲ ይኾና ከም ዘለዋ ምስ ገለፁ እተን ደቂ ኣንስትዮ ብወገነን ኣብ  ንግዲ ተዋፊርና ሸቂጥና ክንበልዕ ኣይክኣልናን ዘይተመጣጠነ ልዕሊ ዓቕምና ግብሪ እናተሓተትና ትርፍና ድኻምን ክሳራን ድኣ‘ምበር ረብሓ የብልናን ብምባል በቲ ንዕአን ዘይገልፅ ዝቐረበ ምስሉይ ፀብፃብ ድማ ኣዝዩ ከም ዘቖጥዐን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣

   ካብተን ኣብቲ መድረኽ ብትሪ ሓሳበን ዘቕረባ ኣብነታዊያን ንምጥቃስ፦ ማሚት ኣታላይ ወናኒት ቤት ምግቢ ዝነበረት፤ መሰረት ኣሸናፊ ወናኒት ግሮሶሪ ዝነበረትን ካልኦትን እንትኾና ኣስዒበን ንሳተን ኣብ ዝተፈላላዩ መድረኻት ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ኲናት ተዋጊእና ኣብ ልምዓት‘ዉን እናተሳተፍና እናሃለና እንተኾነ ግን ተረባሕቲ ኣይኮናን ተረባሕቲ ከም ዝኾና ኣምሲልኩም ኣብ መራኸቢ ቡዙሃን ተቕርብዎ ዘለኹም ንዓና ዝገልፅ ኣይኮነ ክብላ ብትሪ ከም ዝነፀገኦእቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣