Thursday, July 24, 2014

ኣብ መቐለ ዝርከቡ ካብ ዩኒቨርሲታት ዝተመረቑ ተማሃሮ ብጉጅለ ትኸዱ ኣለኹም ብዝብል ምኽኒት ምፍርራሕን ማእሰርትን ይወርዶም ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም፣፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ሃገርና ተመሪቖም ክሳብ ሕዚ ዕድል ስራሕ ዘይረኸቡ ብቁፅሮም ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ብሓደ ሻሂ ክሰትዩን ሓቢሮም ከዕልሉን ዝተዓዘቡ ሰበ ስልጣን ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ድህንነትን ኣባላት ፀጥታትን ኣዋፊሮም ብ6 ሓምለ 2006 ዓ/ም 15 ተማሃሮ ክእሰሩ ከም ዝገበሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 ስርዓት ኢህወዴግ እቶም ምሩቛት ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዕድል ሰራሕ ስለ ዘይፈጠረሎም ምስ ተቓወምቲ ዉድባት ሓቢሮም ንኸይቃልሱን ተኣኻኽቦም ተቓዉሞ ንኸይለዕሉን ብስለያዊ መሓዉራቱ ኣቢሉ ሕድሕድ ምንቅስቓሶም ጥቡቕ ክትትልን ሓለዋን ኣብ ምክያድ ተፀሚዱ ከም ዝርከብ ድሕሪ ምጥቃስ ከም መቐፀልታ ናይ’ዚ‘ዉን ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ቦታን መንበሪኦምን እናተኸታተሉ ንምንታይ ምስ እገለ ተራኺብካ? ንምንታይ ብሓደ ተኣኪብኩም ትኸዱ? እናበሉ ኣብ ምፍርራሕን ምእሳርን ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
ካብቶም ኣብ መቐለ ዝተኣሰሩ 15 ተማሃሮ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦ ኣሸናፊ ከለለ፤ ንጉስ ይብራህ (ወዲ ሸራሮ)ን መብርሂት ታከለ ዝተበሃለት ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦምን ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ፣፣