Thursday, July 24, 2014

ግፍዕታት ይወርዶም ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ መንጎ ክልላት ቤንሻንጉልጉሙዝን ኦሮሚያን ኣብ ትርከብ ወረዳ ቱንጉ ዝርከቡ ነበርቲ ኣባላትን ደገፍትን ኦነግ ኢኹም እናተባሃሉ ብካድረታት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ።



   እዞም  ነበርቲ  ወረዳ ቱንጉ  ኣብ መንጎ  ክልል ቤንሻንጉልን ኦሮምያን  ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዝቕመጡ  ንፁሃት ዜጋታት ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ግን ካድረታት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣባላት ኦነግ ኢኹም እናበሉ  ግፍዕታት የወርድሎም  ምህላዎምን ኣብዚ ቕንያት  ጥራሕ  ሰለስተ ዜጋታት ንግዚኡ  ብዕሊ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሎም ከም ዝተረኸቡ ተፈሊጡ ኣሎ፣፣

  እቲ ሓበሬታ  ኣስዒቡ ካብቶም ዝተቐትሉ ሓደ ብንግዲ ዝመሓደር ወገን እንትኾን እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ ናይቲ ስርዓት ሉኡኻት ምኻኖም ድሕሪ ምግላፅ እዞም ኣብ ገዛእ መረበቶም ብግፍዕታት ካድረታት እቲ ስርዓት ብስላም ክነብሩ ዘይከኣሉ ዜጋታትና ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝውርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ  ግፍዕታት ደው ንኽብልን ግቡእ ፍትሒ ንኽረኽቡን ንዝምልከቶም ኣካላት ብተደጋጋሚ  ዘቕረብዎ ጥርዓን  ሰማዒ ክረኽቡ ስለ ዘይከኣሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣