Saturday, July 5, 2014

ኣብ ከተማ ዓብደራፍዕ ብንግዲ ዝመሓደሩ ወገናትና ንውድብ ዴምህት ትተሓባበሩ ኢኹም እናተብሃሉ ብኣባላት ፀጥታ እቲ ስርዓት ይጭወዩ ምህላዎም ምንጭታትና ካብታ ከተማ ኣረዲኦም፣፣



ኣብ  ክልል ኣምሓራ  ከተማ ዓብደራፍዕ  ኣብ ንግዲ ተዋፊሮም ቤተሰቦም መነባብርኦም ዝመርሑ ወገናት ንዕጥቃዊ ቃልሲ ንዘካይድ ዉድብ ዴምህት መንገዲ ትመርሑን ትተሓባብሩን ኢኹም ብዝብል ምኽንያት ካብ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ብዝመፁ ኣባላት ፀጥታን ደህንነትን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ጨዉዮም ኣድራሻኡ ናብ ዘይተልፈጠ  ከባቢ ወሲዶም ይስዉርዎም ምህላዎም ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ  ገሊፁ፣፣

  እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ በቶም ዕጡቛት ናይቲ ስርዓት ዝጭወዩ ዘለዉ ነጋዶ ብዙሓት ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ  ካብኣቶም ገለ ንምጥቓስ
1.    ኣይተ ኣርኣያ ሃይሉ/ብወዲ ማይ-ሱሪ  ሳጓ ዝፍለጥ/
2.    ኣይተ ደጀን ተኽላይ   ከባቢ ሽረ ፍሉይ ቦታ ቆየፃ ዝዓዱ
3.    ኣታኽልቲ ነጋን ካልእ ንግዚኡ ሽሙ ዘይተፈልጠ ራብዓይ ዝርከቦም እንትኾኑ። ብኣካላት ፀጥታ እቲ ስርዓት ተጨዉዮም ካብ ዝዉሰዱ ክሳብ ሕዚ ሃለዋቶም ከም ዘይተፈለጠ  የረድእ፣፣