Saturday, July 5, 2014

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝነብር ህዝብና “ንፋውንዴሽን መለስ” ዝኸውን ገንዘብ ብዘይ ድሌቱ ንከዋፅእ ኣመሓደርቲ ናይቲ ከተማ ከጨናንቕዎ ከም ዝቐነዩ ተፈሊጡ፣፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ካድረታት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣስማት እናቐያየርካ ገንዘብ ህዝቢ ብምምዝማዝ ውልቃዊ ናብርኦም ንምጥጣሕ ኣብ ከተማ ሑመራ ንዝነብር ህዝብና ኣኪቦም “ንፋውንዴሽን መለስ” ዝኸውን ገንዘብ ክፈሉ እናበሉ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ክኸፍል ብምድፋእ የጨናንቕዎ ከም ዘለው ንምፋላጥ ተኻኢሉ፣፣
  
   ካብ ከተማ ሑመራ ከይወፃና ኣብዚ ቅንያት ኣብ’ቲ ከተማ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ዘይቲ ብልዒ ተሳኢኑ ካብ ቀበሌ ንሓደ ስድራ ሓንቲ ጓዕጓዕ ተለኪዓ እናተውሃበ ዝቐነየ እንትኸውን ሕዚ ድማ እቲ ብቀበሌ ዝቐርብ ዝነበረ ጠቕሊሉ ስለ ዝጠፍአ ነባሪ ህዝቢ ብገንዘቡ ዝዕድጎ ዘይቲ ብልዒ ስኢኑ መረረቱ ይገልፅ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣፣