Tuesday, July 8, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ሰራሕተኛ ቤት ፅሕፈት ቴሌኮምኒኬሽን ዝነበረ ንግዕዙይ ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት ብምቅዋም ናይቲ ትካል ገንዘብ ሒዙ ከም ዝተሰወረ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቴሌኮምኒኬሽን ኣብ መሸጣ ሲም ካርድን ናይ ሞባይል ካርድን ተመዲቡ ክሰርሕ ዝፀንሐ እዮብ ዝተብሃለ ሰራሕተኛ ብ20 ሰነ 2006 ዓ/ም ልዕሊ 100 ሽሕ ዝኣክል ገንዘብ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ሒዝዎ ከም ዝተሰወረ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
   
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ኣይተ እዮብ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቴሌኮምኒኬሽን ብሰበ ስልጣን ወያነ ኢህወዴግ ዝፍፀም ዘሎ ግዕዝይናን ኣድልዎን ከምኡ’ውን እቲ ስርዓት ናይ ውልቀ ይኹን ኣብ መንጎ ትካላት ዝግበሩ መልእኽቲ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ ብመርበብ ስለይኡን ናይ ዓፈና መሳርሒታቱን ኣቢሉ ናይ ዜጋታት ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ብምዕፋኑን ረሃፁ እናፍሰሰ ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ጉቡእ መሃያ ከም ዘይኽፈሎ ዘሎ ክገልፅ ምፅንሑን  ነቲ ተግባር ብምቅዋም  ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝተገደደ ተፈሊጡ ኣሎ።