Saturday, August 9, 2014

ካዝና ዲያስፖራታት ተጋሩ ብህ.ወ.ሓ.ት እንትምዝመዝ



ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር‘ቶም ዝሓለፉ ግፍዓውያን ገዛእቲ ሃገርና ን17 ዓመታት ዝኣክል ምስ ካልኦት ብሄራት ኣሕዋቱ ብምዃን ብቓላት ክግለፅ ዘይከኣል መሪር ደማዊ ኲናት ኣካይዱ ልዕሊ 65 ሽሕ ቀያሕትን ፀለምትን ደቁ መስዋእቲ ገይሩ ልዕሊ 100 ሽሕ ዝኣኽሉ መላምል ኣካሎም ሰንኪሎም ስርዓት ደርግ ካብ ሱር መሰረቱ ሓግሒጉ ብምድርባይ ተሪር ናይ መስዋእቲ መድረኽ ሓሊፉ ዓወት ዝተጎናፀፈ ህዝቢ እዩ።
      እንተኾነ ግን እዚ ወናኒ ዘኹርዕ ታሪኽን መድሕን ሃገርን ዝኾነ ጅግና ህዝቢ ኣብታ ተቓሊሱ ደሙ ኣፍሲሱ ዘቖማ ሃገር ከም ወዲ ዜጋ ቀሲኑ ክነብረሉ ዝኽእል ዕድል ሓሪምዎ እዩ። መራሕቲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከም መሳልል ተጠቒሞም ናብቲ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ስልጣን ብምድያብ ዓብለልትን ዘወርቲ ጥፍኣትን ብምዃን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ብሓፈሻ ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰሉ ዓፊኖም ኣበሳቢሶምዎ እዮም፣ ንህዝቢ ትግራይ ድማ ከም ሕልፊ ተጠቃምን ትግራይ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ዕብየት ከም ዝተወንጨፈትን ዘምስል ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብምዝርጋሕ ህዝቢ ትግራይ ብካልኦት ብሄር ብሄረሰባት ኣሕዋቱ ተፀላኣይን ተጠማታይን ንክኸውን ብዝከኣሎም ሓይሊ ሰሪሖምን ይሰርሕሉን ኣለው።
   
   ህዝቢ ትግራይ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መሬት ብገፊሑ ፀቢብዎ፤ መነባብሮኡ ናብ ብጣዕሚ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ መጠኑ ዝሓለፎ ድኽነት ኣብ ልዕሊኡ ይዕንድር ኣሎ፣  ነዚ ኩሉ ፀገማት ክፀሮ ዘይከኣለ ህዝቢ ነታ ኣብ እዋን ደርጊ ምእንታኣ እናወደቑ ብደሞም ዝቖመት ሃገር እናራሕርሑ፤ እግሮም ናብ ዘምረሖም ናብ ስደት ይጥፍኡ ኣለው፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙሓት ተጋሩ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኣሓቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ፎቐዶ ሳህራታት ብጥሜትን ማይ ፅምእን ወዲቖም፤ ኣዕራብ ሃገራት ዓሳና ይምሳሕ ኣሎ ኢሎም ክሳብ መቐለዲ ዝገብርዎም ኣማኢት ኣሸሓት ተጋሩ። ባሕሪ ውሒጥዎም ድራር ዓሳ ብምዃን ከም ጨው ሓቒቖም እዮም። 
   እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ህዝብና ካብ ኣብ ትሕቲ ወያነ ኮይንካ ምንባር ዘይሓይሽ ነገር የለን ብምባል ከም ውሕጅ ናይ ስደት ምውሓዝ ኣየቋረፀን፣ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ሃገርካ ገዲፍካ ናብ ስደት ምኻድ ከም ሓደ ዓብዪ ዕድል እዩ ዝቑፀር፣ እዚ ድማ ህዝብና ብሰንኪ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ክሳብ ክንደየናይ ኣብ ሃገሩ ምንባር ተፀጊሙ ከም ዘሎ ዘርእየና ቀንዲ ኣብነት እዩ። 
       እዞም ብኸምዚ ዓይነት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ካብ ብሱል ጥረ ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜታት ናይ ስደት ጉዕዞ ቀኒዕዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝቕመጡ ዝነበሩ ወገናትና ህወሓት ኢህወዴግ ዝብላዕ ይህልዎም እዩ ኢሉ ብምግማት ናብ ሰሜን ኣመሪካ፤ኣውሮፓን ማእከላይ ምብራቕን ካድረታቱ ልኢኹ ሰፊሕን ዘይትግበርን  ጎስጓስ ብምክያድ ነተን ብዝባን ኢዶም ሰሪሖም፤ ረሃፆም ኣፍሲሶም ዝኣከብወን ገንዘቦም ንምዝማት ክብል ኣብ ዓድኹም ገንዘብኩም ኣዋፍሩ ብምባል ዜጋታትና ዲያስፖራ” ዝብል ሽም ሒዞም ናብ ሃገር ይኣትው ኣለው።
   እዞም ድያስፖራ ኣሕዋትና ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝፀልእ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ኢትዮጵያዊ ዜጋ የለን፣ ኮይኑ ግን ብሰበ ስልጣን ህወሓት ተዓሻሽዎም ገንዘቦም ከይኸስሩ ግን ናይ ብዙሓት ስግኣት ኮይኑ ኣሎ። 
   ነዞም ዝተፈለየ ቅኑዕ ሓሳብ ናይ ዴሞክራስን ኣመራርሓን ዘቕርቡ ዝነበሩ ቅኑዓት ደቂ ህዝቢ ወያነ ትማሊ እናሳደደ የባርሮም ከም ዘይነበረ ሎሚ ድማ ገንዘብ ሒዞም ዝብላዕ ምስ ረኸበሎም ናብ ዓድኹም መፂኹም ገንዘብኩም ኣዋፍሩ ክብል ንሰምዖ ኣለና፣ ሰናይ ምሕደራ፤ ዝተመቻቸወ ናይ ንግዲ ስራሕን ዝተረጋገአ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣብ ዘይብላ ሃገር ኢንቨስት ግበሩ ብምባል ገንዘቦም ኣብ ጥራሕ ሜዳ ከፍስሱ ይግደዱ ኣለው።  
   እዞም ብሰንኪ ወያነን ቅድሚኡ ኣብ ዘመነ ደርግን ዓዶም ገዲፎም ዝተሰደዱ ዜጋታት ሎሚ ደኣ ወያነ-ማሌሊት እንታይ ለውጢ ስለ ዝገበረ እዩ ናብ ሃገሮም ኣትዮም ገንዘቦም ከዋፍሩ ዝልመኑ ዘለው ዝብል ሕቶ እንተተላዒሉ ግን እቲ ከም ነፋሒቶ ዝገላበጥ ስርዓት እቲ ልሙድ ናይ ምድንጋር ባህርታቱ ይቕፅለሉ ስለ ዘሎ ጥራሕ እዩ።   
   ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ደቂ ሃገር ዝሽቑረረላ ባዕዲ ዝኾርዐላን ከም ድሌቱ ኮሪዑ ዝነብረላን ሃገር እያ ኮይና ዘላ፣ ናይ ሕርሻ መሬት ካብ ደቂ ዓዲ ብዘይ ካሕሳን ተለዋጢ መሬትን ብሽም ኢንቨስትመንት እናተመንጠለ ንናይ ወፃኢ ሃገራት ኢንቨስተራት ንሓደ ዘመን ዝኣክል ብሕሳር ዋጋ ናይ ዜጋታት ጉልበት ብሕሱር ዋጋ ዝምዝመዘላ  ናይ ረኣዩለይ ስምዑለይ ሃገር ኮይና ትርከብ። 
   ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝመፀ ይምፃእ ንዝመፀ ጋሻ በታዘላቶን ዓቅሙ ዝፈቐዶን ብሕጉስ መንፈስ ዘጋይሽ ህዝቢ እዩ፣ እንተ እቶም መራሕቲ ህወሓት ማሌሊት ግን ብጉቦ ዝተጨማለቑ ንግዕዝይና ከም ባህሊ ዝጥቀሙሉ ስለ ዝኾኑ ኣብ ዓመት እዚ ጥራሕ ኣብ  ወረዳ እንደርታ ከባቢታት ኣይናለም፤ ዓዲ-ሓን እንዳማርያምን ንዲያስፖራ ንገዛ መስርሕን ትካላትን ክዕደሎም ተባሂሉ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ህዝቢ መሬቱን መረበቱን ተመንጢሉ ኣብ ከርፋሕ መነባብሮ ኣብ ዘለሉ ብሽም ተጋሩ ዲያስፖራ ዳንኬራን ናይ ረአዩልና ስምዑልናን ናይ ሓሶት መለኸት ብጉልባብ ተጋሩ ዲያስፖራ ኣብ ከተማ መቐለ ይንፋሕ ኣሎ።
እዚ ተግባር እዚ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩ ዲያስፖራ ኣብ ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ ናይ መነባብሮ ይኹን ዕብየት ዘምፅኦ ለውጢ ኣይህሉን፣ ምኽንያቱ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ይኹን ብናይ ስልጣን ሕርፋን ብናይ ህዝቢ ገንዘብ ነንሕድሕዶም ኣብ ምንቛት ዝርከቡ ናይ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ተባሒሎም ዝፍለጡ ክልተ ጉጅለታት ህወሓት-ማሌሊት ስኒት ኣብዘብሉን ብሓፈሻ ሃገርና ኢትዮጵያ ብግዕዝይና ዝጠልቀዩ መራሕትን ሰበስልጥናት ኣብዘለውሉ ፍትሕን ሰኣይ ምሕደራን ክሕሉ ስለዘይኽእል ዝተረጋገአ ጥዕና ዘለዎ ስራሕን መነባብሮን ክትመርሕ ፈፂሙ ዘምችእ ኣይኮነን።
   እዚ ፀገም እዚ ድማ ኣብቶም ሕዚ ኣትዮም ዘለው ተጋሩ ዲኣስፖራ ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ካብ ወፃኢ መፂኦም ገንዘቦም ኣፍሲሶም ስራሕ ምስ ጀመሩ ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ግብሪ ክኸፍሉ እናተገደዱ ናብ ክሳራታት ተቓሊዖም ትካላቶም ዓፅዮም ናብ ስነበርዎ ናብራ ስደት ከም ዝተመለሱ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ጋህዲ ዝኾነ ሓቂ እዩ፣ ትግራይ ኣብዚ ኩነታት እዚ እናሃለወት ግን ዲያስፖራ ፀዊዕኻ  ኢንቨስት ግበሩ ምባል ንምዕባለ ትግራይ ዘይኮነስ። ካብ ተጋሩ ዲያስፖራ ዝርከብ ዝተፈለለየ ኣታዊ ብምምዝማዝ ናብ ውልቀ ካዝና ካድረታት ህወሓት-ማሌሊት ንምእታው ዝሓቀነ እዩ።