ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ሓላፊ ሕርሻ ልምዓት ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ካድረ ብርሃነ በርሀ። ብ18
ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ህዝቢ ኣኪቡ ብሳላ ልምዓታዊ መንግስትና እቶትና ብዕፅፊ ወሲኹ፤ ከባቢና ለሚዑ፤ ሰፊሕ ስራሕ ዕድል
ፈጢርናን ካልእን እናበለ ነቲ ገዛኢ ጉጅለ ዘመጉስ ዘረባ ደጋጊሙ ከስምዕ ኣብ ዝፈተነሉ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸበ ህዝቢ ብሓደ
ድምፂ ከም ዝነፀጎ ተፈሊጡ፣
እቲ ካብ ህዝቢ ዝቐረበ ናይ ተቓውሞ
ሓሳብ። ንስኹም ስራሕ ፈጢርና ትብሉና ዘለኹም መንእሰይ ስራሕ ስኢኑ ዶ ኣይኮነን ባሕርን ሳሃራን ኣቋሪፁ ዝጥፍእ ዘሎ፤ ነቲ
ብዝተፈላለየ ባዕላዊ ፃዕሩ ንግዲ ዝጀመረ ሰብ ኣብ ክንዲ ምትብባዕ ልዕሊ ዓቕሙ ግብሪ እናኽፈልኩም ናብ ድኽነት ትመልስዎ
ኣለኹም፤ ዓዲ ለሚዓ ትብሉና ዘለኹም ንሕና ዘይንፈልጣ ዓዲ ኣላትና ድያ?፤ ሕሉፍ ተግባርኩም ይኣኸልና ድሕሪ ደጊም ክተዕሽዉና
ኣይትኽእሉን ብምባል ንዘረባ መራሒ እቲ መድረኽ ከም ዝተቓወምዎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ካብ’ቶም ንመታለሊ ዘረባ ካድረታት ህወሓት-ኢህወዴግ ኣትሪሮም
ዝተቓወሙ ወገናት፦ ሃለቃ ካሕሳይ በርሀ ዝተበሃለ ናይ ጣብያ ዝባን ገደና ፈፃሚት ዝርከቦም እንትኾኑ። ንሳቶም ኣፀቢቕና እኮ
ንፋለጥ ኢና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዘረባ ብምዝራብኩም ሰዓቢ ትረኽቡ ከይመስለኩም ከም ዝበልዎም እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ
ገሊፁ፣