Tuesday, November 4, 2014

ኣብ ግንባር ቡሬ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ምክልኻል ሰራዊት ዘየድልዮም ሰብ ንምብራርን ነቲ ዘገድሶም ድማ ንምጥንኻርን ዝዓለመ ከካይድዎ ዝቐነዩ ኣኼባ ብዘይ ዉፅኢት ከም ዝተበተነ ይግለፅ ኣሎ፣




ካብቲ ግንባር ዝበፅሐና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ናይ መበል 25 ክፍለ ሰራዊት ኣባላት ንሕና ክሳብ ሕዚ ግቡእና እናፈፀምና ፀኒሕና ኢና። ስለ’ዚ  ስድራና ክንኣሊ ናብ ዓድና ስደዱና ብምባል ኣብቲ ኣኼባ ብምረት ከም ዝተቓወሙ ድሕሪ ምግላፅ። ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ኣዛዚ ናይ’ታ ክፍለ ሰራዊት ብርጋዴል ጀነራል ኣሰፋ ቸኮል ድማ። ሕዚ ናይ ምፍናው ግዜ ኣይኮነን ዝተወሰኸ ሰራዊት ስለ ዘየለ እታ ሃገር ንመን ገዲፍኩማ ክትከዱ? ክብል ብንዴት ዝመለሰሎም እንትኾን። እቲ ኣብ ኣኼባ ዝነበረ ሰራዊት ድማ ግቡእና ፈፂምና ኣለና ሕቶ መሰልና ይከበር ብዝብል ዕግርግር ስለ ዘልዓሉ እቲ ኣኼባ ክቋረፅ ከም ዝተገብረ ተሓቢሩ፣
  
       እቲ ብሰንኪ ዕግርግርን ዘይምርድዳእን ዝተቛረፀ ኣኼባ ንምቕፃል። ብ12 ጥቅምቲ 2007ዓ/ም ጠቕላላ ናይቲ ግንባር ኣዛዚ ፍሰሃ ኪዳነ ዝተብሃለ ናብ ግንባር ቡሬ ከይዱ ካብ ኣዘዝቲ ሓይሊ ንላዕሊ ኣኼባ ኣብ ዘካይደሉ እዋን። እቶም መኮነናት ድማ ነቲ ብሰራዊት ዝተለዓለ ተቓውሞ ደጊፎም ስለ ዝቐፀልዎ እቲ ዝተጀመረ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተረፈ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣