Tuesday, November 4, 2014

ኣመሓደርቲ ዞባ ጋሞጎፋ ኣብ እዋን ቀውዒ ንህዝቢ እቲ ዞባ ኣብ ተኸታታሊ ኣኼባታት ፀሚደሞ ብምህላዎም መረረቱ የስምዕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣




ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጋሞጎፋ ዝነብር ህዝቢ ኣብ እዋን ቀውዒ ምህርቱ ከይእክብ። ካድረታት እቲ ስርዓት  ወገሐ ፀበሐ ዝተፈላለዩ ምኽኒታት እናፈጠሩ ብኣስገዳድ ኣብ ኣኼባታት ፀሚዶም ይውዕሉ ከም ዘለው ምስ ገለፀ። ዉሽጣዊ ዕላማ እቲ ኣኼባታት ድማ ነቲ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ኣኼባ ኣሰላችኻ ኣባል ደ.ህ.ዴ.ን-ኢህወዴግ  ክኸዉን ብምግባር መፃኢ መረፃ ነቲ ዉድብ ንኽመርፅ ዝዓለመ ምዃኑ ተፈሊጡ፣
  
     ብሰንኪ እቲ ኣኼባታት ድማ ህዝቢ ምህርቱ ምእካብ ስኢኑ ብዝናብ ይቦላሾ ከም ዘሎን። እቲ ህዝቢ ድማ ብሰንኪ ኣኼባታት ዝራእትና ክንእክብ ኣይከኣልናን  ብምባል የማርር ከም ዘሎ ተገሊፁ፣