ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ።
ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ መፃኢ ወርሒ ግንቦት ንዝካየድ መረፃ መሰረት ዝገበረ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ናይ
መናእሰያት፤ ናይ ሃይማኖት፤ ናይ ዓበይቲ ዓዲ ወዘተ ብምባል ብጉጅለ እናመቓቐለ ከካይዶ ዝቐነየ ኣኼባ ድጋፍ ንምርካብ ዝዓለመ
ኮይኑ። እንተኾነ ግን ህዝቢ ክቕበሎ ከም ዘይከኣለ ተፈሊጡ፣
በቲ ስርዓት ዝገብሮ ዘሎ ተንኮላት ዘይተሓጎሰ ህዝቢ ከተማ ኣዲስ
ኣበባ። ክሳብ ሕዚ ከይተመረፅኩም ን20 ዓመት ዝኣክል ኣብ ስልጣን ፀኒሕኹም ዋላ ሓንቲ ዘምፃእኹምዎ ዕቤት የለን፣ ስለዚ እዚ
ሐዚ እትገብርዎ ዘለኹም ጎስጓስ ህዝቢ ንምድንጋር ዝዓለመ ደኣ‘ምበር ሓቅነት ሃልዩኩም ንህዝቢ ሓሊኹም ኣይኮንኩምን፤ ክሳብ ሕዚ
ዝተፀመምናኩም ይኣኽለና። ብዛዕባ መረፃ ምሳኹም ክንዛረብ ኣይንደልን፤ ንመን ከም ንመርፅ ባዕልና ንፈልጥ ብምባል ከም
ዝተቓወሞም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣