Wednesday, December 10, 2014

ኣመሓደርቲ ከተማ ኣክሱም ንልምዓት እታ ከተማ ተባሂሉ ዝተመደበ ገንዘብ መሕበጢ ዉልቃዊ ጅቡኦም የዉዕልዎ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ከንቲባ ከተማ ኣክሱም ኣይተ ኣበራ ሃይለማርያም ምስ ሓላፊ ፀጥታ እታ ከተማ ብምሽራኽ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝህቡ ስራሕቲ ልምዓት ክዉዕል ተባሂሉ ኣብ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ቀሪቡ ካብ ዝፀደቐ ባጀት እቲ ልዕሊ 3 ሚልዮን ብር ከምኡ’ዉን ከም ቴሌቭዥናትን ላፕቶባትን ዝኣምሰለ ንብረታት መማልኢ ዉልቃዊ ድሌቶም ከም ዘዉዓልዎ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ እዞም ሽሞኛታት ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ገንዘብን ንብረትን ሃገር የጠፋፍኡ ምህላዎም ዝፈለጠ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ይተሓተቱ ክብል ሕቶ ብምልዓሉ ንይምሰል ከምዝተኣሰሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እዚ ክገብርዘኽኣሎ ኣብ’ቲ  ምጥፍፋእ ከዓ ኣባይ ወልዱ ኢድ ስለ ዘለዎ ክሳብ ሕዚ ክከላኸለሎም ብምፅንሑ ነባሪ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ግዕዙይ ምሕደራ ኣባይ ወልዱ መረረቱ የስምዕም ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ከተማ ኣክሱም ካብ’ተን ጥንታወያን ከተማታትን መሰረት ስልጣነን ሃገርና ዝኾና ከባብታትን ናይ ቀዳምነት ቀዳማይ ትጥቀስ እኳ እንተኾነት ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ’ቲ ብትሪዙም መልክዕ እትረኽቦ ልዑል ኣታዊ እንትነፃፀር ብዕቤት ኣዝየን ንድሕሪት ተጎቲተን ካብ ዘለዋ ከተማታት ሓንቲ ምዃና እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ገሊፁ።