Wednesday, December 10, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ኣደባይ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት ባዕልኹም መሬት ዘርእኹም ብዝብል ነበርቲ ዘፍረይዎ ዝራእቲ ብሓዊ ከም ዘቃፀልዎ ተሓቢሩ።



ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ነባሪ ህዝቢ ኣደባይ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ብሕርሻ መሬት ኣዝዩ ተፀጊሙ ብምህላዉ ናብ ኣምሓደርቲ እቲ ከባቢ ጥርዓን ኣቕሪቦም ሰማዒ ኣካል ስለ ዝስኣኑ ህይወቶም ንምምራሕ ክብሉ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ተኸልኪሉ ዝነበረ ናይ ሕርሻ መሬት እኽሊ ብዝርኦም ኣብ ልዕልኦም በደላት ይፍፀም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
    ሰፊሕ መሬት እናሃለወ ዝሕረስ መሬት ስኢኑ ተፀጊሙ ዘሎ ሓረስታይ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዓይነይ እናርኣኹ ንጥሜት ኣይቃላዕን ብምባል ሕርሻ ቦታ ኣስተኻኺሉ እንትሓርስ ኣምሓደርቲ ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ክሓልፉ ፀኒሖም ኣዝመራ ኣብ ዝእከበሉ እዋን ብሓዊ ከቃፅልዎ ዝተዓዘበ ነባሪ ህዝቢ ንምንታይ ዝጠመየ ድኻ ሕብረተሰብ እናሃለወ እኽሊ ይቃፀል? እንትብል ብቑጥዐ መረረቱ ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከብ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ከባብታት ዓዲ ጎሹ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ መሬት ሰሊጥ ዘሪኦም ዝኸረሙ ሓረስቶት ሰሊጦም ነጊፎም ኣብ ዝሓፍስሉ ዝነበሩ ግዜ ናይ’ቲ ዞባን ወረዳን ኣመሓደርቲ ዘይተፈቐደ መሬት ሓሪስኩም ከሪምኩም ብዝብል ምኽንያት እሙናት ካድረታቶምን ኣባላቶምን ኣዋፊሮም ኣስታት 1,300 ኩንታል ሰሊጥ ካብ ድኻታት ዜጋታት ብፃዕሮም ዘፍረይዎ ምሕርቲ ሰሊጥ መንጢሎም ከም ዝወሰዱ ኣብ ናይ ዝሓለፉ ዜናታትና ምግላፅና ይፍለጥ።