Wednesday, December 10, 2014

ካድረታት ኢህወዴግ ውሽጣ ውሽጢ ብዝፍሕስዎ ዘለው ተንኮላት ኣብ መንጎ ተጋሩን ኣምሓሩን ዘሎ ግጭት ሐዚ ‘ውን ቀፂሉ ህይወት ሰባት ይጠፍእ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና መቐፀልታ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን ተላዒሉ ዝነበረ ግጭት ብ20 ሕዳር 2007 ዓ/ም ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ታሕታይ ኣርማጭሆ ፍሉይ ሽሙ ኣዋጢር  ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ኢፍሬም መብራህቱ /ወዲ ማይ ፀብሪ/ ዝተብሃለ ትግራዋይ መራሒ መኪና እኽሊ ፅዒኑ ይጓዕዝ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብሓደ ንግዚኡ ሽሙ ዘይተፈልጠ ነባሪ እቲ ከባቢ ከም ዝተቐተለን እቲ ፅዒንዎ ዝነበረ እኽሊ ድማ ከም ዝተቓፀለን ተፈሊጡ።

   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ መራሕቲ ኢህወዴግ ህዝቢ ቀላፅሙ ኣሕቢሩ ኣንፃሮም ከይለዓል ስግኣት ስለ ዘለዎም ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ዉሽጣዊ ፖሊሲኦም ንምዕዋት ክብሉ ብስውር ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ንክናቖት ይገብሩ ከም ዘለውን ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብ መንጎ ብሄራት ሓያል ደም ምፍሳስ የጋጥም ከም ዘሎን የረድእ።