ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ
ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ፍሉይ ቦታ ማይ መሳኑ ኣብ ዝተባህለ ስፍራ ካብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መኽዘን እቶም ሓለፍቲ ብርክት ዝበለ ጠያይትን ካልኦት ኣፅዋርን ብሚስጥር ንምሻጥ ብወተሃደራዊ
መካይን ናብ ጎንደር ከግዕዝዎ ከም ዝተታሓዙ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፆም።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ብ27 ታሕሳስ 2007ዓ/ም ታርጋ ቁፅሪ 02506 ዋዝ ዝዓይነታ ወተሃደራዊት መኪና ካብ’ቲ ዝተጠቐሰ
ቦታ ኣፅዋር ፅዒና ናብ ከተማ ጎንደር እናተጓዕዘት ኣብ ዓዲ ኣርቃይ ከም ዝተታሕዘት ድሕሪ ምግላፅ፣ ናይ’ታ መኪና መራሒ ፍቓዱ
ንዋይ ዝተብሃለ እንትኾን ነቲ ኣፅዋር ፅዒኑ ክወስድ ዝኣዘዞ ድማ ሻለቃ ጌታቸው በላይ ዝተብሃለ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ብሓለፍቲ ምኽላኻል ሰራዊት ኢህወዴግ ዝካየድ ኣፅዋር ናይ ምሻጥ ተግባር ኣብ ኩለን ኣሃዱታት ልሙድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ እዚ ድማ
ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም እምነት ስለ ዘንቆልቆለ ዉልቃዊ ሃፍቶም ንምድልዳል ዘካይድዎ ግዕዝና መለለይ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ኮይኑ ከም ዘሎ ይፍለጥ፣፣