ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር
ዝርከቡ ካድረታት ስርዓት ኢህወዴግ ኣባላት መድረኽ ንዝኾኑ ንፁሃት ዜጋታት ጨዉዮም የጥፍእዎም ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብኣቶም
ገለ ንምጥቃስ ኣይተ ቴዎድሮስ መለስ፤ ወ/ሮ ሪዒማ ከድር፤ ኣይተ ተፈራ ማሙ ኣብ ባህርዳር ዩኒቨርስቲ መምህር ዝኾኑንን ካልኦትን
ብ27 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ተጨውዮም ምስ ተወሰዱ ክሳብ ሕዚ ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥ ተገሊፁ።
ሰበ ስልጣን
ኢህወዴግ ኣብ መፃኢ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ/ም ከነካይዶ ኢና ዝብልዎ ዘለዎ ምስሉይ መረፃ ንተቓወምቲ ውድባት ክመርፁ ተኽእሎ
ኣለዎም ንዝበልዎም ዜጋታትና መርትዖ ዘየብሉ ናይ ሓሶት ምኽኒት ኣናፈጠሩ ይኣስሩን ይጨዉዩን ከም ዘለው እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።