ምንጭታትና ካብታ ከተማ ከም
ዝሓበርዎ እቲ ካብ ፌዴራል ብዝኸዱ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ካብ 22 ክሳብ 24 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ኣብ ቤት ትምህርቲ
መሰናድኦ “ኣካለ ወልድ” ዝተሳለጠ ኣኼባ ካብ ደቡብ ወሎ ካብ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተዉፃፅኡ ልዕሊ 210 መምህራን እንትኾኑን
እቲ ናይ መአከቢ እጀንዳ ድማ ብዛዕባ መፃኢ ሃገራውን
ክልላውን መረፃን ናይ መንግስቲ ፖሊሲታትን ዘተኮረ ከም ዝነበረ እንተኾነ
እቶም መምህራን ዝኾነ ሪኢቶ ከይሃቡ ብድምፀ ተዓቅቦ ከም
ዝወፁ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝርዝር ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ መፃኢ ወርሒ ግንቦት
2007 ዓ/ም መረፃ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እቶም ዘምህርዎም ተማሃሮ ብገለ ተምሃሮ ተታሊሎም ዓመፅ ንከየልዕሉ ፅዑቕ ክትትል ክገብሩሎምን
ካብኡ ሓሊፎም ድማ ዘሎ ምንቅስቓስ ሓበሬታ ንዝምልከቶ ክህቡ ከም ዘለዎም ዝብል እንትኸውን እቶም መምህራን ግን “ሽምኩም ዘይነገርኩምና
ካበይ ዝመፃኹም ኢኹም ኣብዚ ኣይንዛረብን”ብምባል ኣብ’ቲ ንክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ምንም ሓሳብ ከይሃቡ ተቓዊሞም ከም ዝወፁ
እቶም ኣከብቲ ሰበ ስልጣን ድማ ካብቲ ኣደራሽ ብሕፍረት ርእሶም ደፊኦም ከም ዝወፁ ተፈሊጡ።