Friday, March 6, 2015

መበል14 ዓመት ምምስራት ውድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት 19 ለካቲት 2007 ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ብድምቀት ከምዝተኸበረ ሪፖርተራትና ገሊፆም።



    ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ሪፖርተራትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ወርቃዊትን ታሪኻዊትን 19 ለካቲት ምምስራት ውድብና ዴምህት “ሎሚ’ውን ከም ትማሊ እቲ እንኮ መፍትሒ ዕጥቃዊ ገድሊ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታትን ኣሃዱታትን ዴምህት ብድምቀት እናተኸበረ ምኳኑን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ድማ ብድምቀት ከምዝተበዓለ ተፈሊጡ።  
   ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝርከቡ ተዓለምቲ ኣብ እንግድዐኦም ተፃዒኑ ዝነበረ ኣርዑት መዝመዝትን ጨቆንትን ህወሓት-ኢህወዴግ ወጊድ ኢሎም ወፅዓ ህዝብና ብመስዋእትና ክንፈትሕ ኢና ብምባል ኣብ ሓንቲ ኢትዮጵያ ኣሚኖም ብዝቃለሱ ዘለዉ ኣሰር ብዝተሰመዩ ተዓለምቲ ኣዕለቕሊቓ ከም ዘላ ድሕሪ ምግላፅ ዕዱማት ኣጋይሽ፤ ኣባላትን ደገፍትን ቃልስና ኣብ ዝተረኽቡሉ 19/ለካቲት/2007 ብድምቀት ከም ዘኽበርዎ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
   ኣብቲ በዓል ዝተረኽበ ምክትል ኣቦ መንበር ዴምህት ተጋዳላይ መኮነን ተስፋይ ኣብ ዘስመዖ መግለፂ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ንጀጋኑ ተጋደልቲ ዴምህትን እንኳዕ ንመበል 14 ዓመት ምምስራት ውድብና ዴምህት ኣብፀሐኩም ድሕሪ ምባል ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሓቂ ከምቲ ወያነ ዝብሎ ኣብ ልምዓትን ራህዋን ዘይኮነስ ምቅትታል፤ ማእሰርቲ፤ ስደት፤ ጉቦን ወገናውነትን ዝበዝሖ ሽመኛታት ወያነ ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ሃፍቲ ሃገርን ህዝብን ዝዕንድሩሉ ውፅዕ ሓፋሽ ህዝብና ድማ ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፈሉ ከነታት እዩ ዘሎ ክብል ገሊፁ።
    እቶም ኣብ ታዕሊም ዝርከቡ  ተዓለምቲ ብወገኖም 19 ለካቲት ምምስራት ውድብና ዴምህት ብጣዕሚ ብሕጉስ መንፈስ እናኽበርናያን ዝያዳ ከኣ ቃል እናኣትወላን ዕለት እያ ክብሉ ምስ ሪፖተራትና ኣብ ዝገበርዎ ሓፂር ቃለ መጠይቕ ምግላፆም ተፈሊጡ።
    ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ጉጅለ ባህልታት ዓወት ንውፁዓትን ማዕበልን ንወፅዓ ህዝብናን ንጅግንነት ተጋዳላይናን ዘንፀባርቑ ሓደሽቲ ደርፍታትን ድራማታት ብምቕራብ ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ሂበንኦ ከም ዝወዓላ ሪፖርተራትና ካብ ዝለኣኽዎ ፀብፃብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   ዝኸበርኩም ተዓዘብትና ናይ ካልኦት ኣሃዱታት ዴምህትን ናይዚ ክነቕርበልኩም ዝፀናሕና ዜናን ብሓፈሻ ሙሉእ ምድላው ናይቲ በዓል ኣብ ቀፃሊ መደብና ክነቕርበልኩም ምዃንና ክንሕብረኩም ንፈቱ።