ብመሰረት ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ከባቢ ዓዲ ሃገራይ ዝርከቡ ናይ መበል 18 ክፍለ ሰራዊት ኣባላት ረብሓ ህዝቢ ንጎኒ ገዲፎም ነባሪ
ህዝቢ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣብ ከባቢ እቲ ከተማ ዝርከብ ልሙዕ መሬት ባዕሎም ናይ ከቢድ ብረት ካምቢ ብምግባር ሰለ ዝኸልከልዎም ነባሪ ህዝቢ ድማ ናይ ሕርሻ መሬትና ብዘይ ዝኾነ ካሕሳ ተመንጢልና ብምባል ተቓውሞ ብምክያዱ ኣብ መንጎኦም ግጭት ከም ዝተልዓለ ተፈሊጡ።
እቶም ነበርቲ ካብ ዘልዓልዎ ሕቶ ወተሃደራት ካምቦኦም ንሕርሻ መሬት ኣብ
ዘየገልግል ስፍራ ይስርሑ፤ ዝተመጠልናዮ ልሙዕ መሬትና ይመለሰልና ብምባል ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ንስኹም ክትነብሩን
ክትንቀሳቐሱን እትኽእሉ ነዚ ሰራዊት ሒዝኩም ኢኹም ብምባል ብኣፈሙዝ
ብረት ኣፈራርሖም ከም ዝመለስዎም እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።