ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ፤
ደብረ ማርቆስን ከባቢኣን ዝርከብ ህዝቢ ነቲ ኣብ ሊብያን ደቡብ ኣፍሪካ ከምኡ ‘ዉን ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታትና ይፍፀም
ንዘሎ ግፍዓዊ ተግባራት ንምኹናን ሰልፊ ንኽወፅእ ኣብ ዝሓተትሉ ብስርዓት ኢህወዴግ እንትኽልከሉ ልዕሊ 3ተ ኣባላት
ተቓወምቲ ዉድባት ድማ ንህዝቢ ከለዓዕሉ ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ስግኣት ዝፈፀምዎ በደል ዘይብሎም ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ክፍለጥ
ተኻኢሉ።
ካብ’ቶም ዝተኣሰሩ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦ ኣቶ ደጀን፤ ኣቶ ስልጣን በሽር፤
ኣቶ እንዳለ ሺመልስን ዝተብሃሉ ዝርከብዎም ብለይቲ ካብ ገዝኦም ተዓፊኖም ከም ዝተወሰዱ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት
ወገናትና ንዝተፈፀመ ኣስካሕካሒ ቅትለት ንምዉጋዝ ብህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ከየካይድ እቲ ስርዓት ምኽልካሉ ንዜጋታት ክብሪ ዘይምሃብ
እዩ ብምባል ብዙሓት ወገናት ይገልፁ ምህላዎም እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።