ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቶም ኣመራርሓ ናይ ማእኸላይ እዝ እቲ መዓልታዊ
ክድዓት ናይቲ ሰራዊት ኣዚዩ ስለ ዘተሓሳሰቦም ብ13 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ናይ ሕድሕድ ወተሃደር ውልቃዊ ንብረት ክፍትሹ ከም ዝወዓሉን
ኣብቲ ዝገበርዎ ተፍትሽ ድማ ብጠቕላላ 180 ናይ ሲቪል መለለይ መንነት ካርድ ዘለዎም ወተሃደራት ከም ዝተረኸቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ዝተረኸበ ናይ ሲቪል መንነት ካርድ ካብ ትውልዲ ዓዶም ብዝተፈላለየ
መንገድታት ዝተልኣኸሎም ኮይኑ ሲቪል መሲሎም ነቲ ስርዓት እናራሕሩሑ ንምህዳም ምእንታን ክሕግዞም ዝተዳለዉ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ
ኣርባዕተ ነባራት ኣባላት ሰራዊት ንሰለስተ ወርሒ ማእሰርቲ ተወሲኑሎም ኣብ ዓዲ ኮኾብ ተኣሲሮም ከም ዘለው ተገሊፁ።