ከም ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ኣብ ዝርከብ “ብሄራዊ
ሆቴል” ብ4 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም እቶም ኣባላት ምኽልኻል ሰራዊት ኢህወዴግ
መስተ ሰትዮ ሕድሕዶም ተባኢሶም ዕግርግር ከም ዝተወለዐ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እቶም ፈጠርቲ ህዉከት ዝኾኑ ወተሃደራት ሓለቓ ሚኢቲ ደሳለኝን ምክትል ሓለቓ ሚኢቲ ኣየለ ናሳን ዝተብሃሉ
ኮይኖም። ብጠራሙዝን ካልእ ንብረትን ናይቲ ሆቴል እናተደባረዩ ከም ዝተዋቕዑ ተፈሊጡ፣
በቲ ኣብ መንጉኦም ዘጋጠመ ባእሲ ክልቲኦም መኮንናት እቲ ገዛኢ ስርዓት
ብከቢድ ተሃስዮም እኳ እንተኾኑ። ብፍላይ ምክትል ሓለቓ ሚኢቲ በቲ ዝበፅሖ መጉዳእቲ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከም ዝሞተ እቲ ሓበሬታ
ወሲኹ ኣረዲኡ፣