ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ
ዞባ ሰሜን ጎንደር ፍሉይ ቦታ ታሕታይ ጋይንት ዝነብሩ ንፁሃት ወገናት። ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝንቀሳቐሱ ሰላማዊ ቃልሲ ዘካይዱ ተቓወምቲ
ውድባት ጥቡቕ ርክብ ኣለኩም ተሓባበርቶምን ደግፍቶምን ኢኹም እናተብሃሉ። ዝኾነ ዝፈፀምዎ ጥፍኣት ዘይብሎም ካብ ዝሰርሕሉ ቦታ ብኣመሓደርቲ
እናተኣረዩ ይእሰሩ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ካድረታትን ኣመሓደርትን ገዛኢ
ስርዓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ንህዝቢ እቲ ከባቢ እናኣከቡ ዉድብና ብኣዴን/ኢህወዴግ ፍፁማዊ ምዃኑ ፈሊጥኩም ብዘይ ዝኾነ ተቓዉሞ ተቐበልዎ
ካብ ዉድብና ወፃኢ ኣይትቀበሉ እናበሉ የለዓዕሉ ኣብ ዘለዉሉ። ንገለ
ፀገማት እቲ ስርዓት ርእዮም ዝተቓወሙ ሰባት ድማ ብተቓወምቲ ዝተለኣኹ ፀረ ልምዓት ዝበልዎም 7 ንፁሃት ሰባት ብዘይ ዝኾነ ገበን
ተኣሲሮም ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣