Saturday, April 25, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ላዕለዎት መራሕቲ ብኣዴን/ኢህወዴግ ስግኣት ዝመንቀሊኡ ኣኼባ ከካይዱ ከም ዝቐነዩ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና። ላዕለዎት ኣካላት መሪሕነት ብኣዴን/ኢህወዴግ  ካብ 6 ክሳብ 7 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ንተኸታታሊ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ድሕንነትን ሰላምን ከባቢና  እንታይ ይመስል?፤ ናይዚ ክልል ዘይምርግጋእ ምኽንያቱ እንታይ እዩ?፤ ዝብሉን ካልእን ኣብ ዝብል ዛዕባ ዘተኮረ ክዛተዩ ከም ዝቐነዩ  ድሕሪ ምግላፅ። ብፍላይ  ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ወድብ ኣርበኞች ግንቦት-ሰባት ኣብ ልዕሊ መንግስትና መጥቃዕቲ ከካይድ ሰራዊቱ ኣብ ከባቢ ሑመራ ኣፀጊዑ ኣሎ እናበሉ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ተሸሚሞም ኣኼባ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ፣
    እቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣብ ኣኼበኦም መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ውድብ ኣርበኞች ግንቦት-ሰባት ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክወስድ ስለ ዝኾነ። ካብዚ ክልል ብዛዕባ እዞም ዕጡቛት ዝኾነ ሓበሬታ ዘመፀአ ሰብ ድማ መተባብዒ ሽልማት ክዋሃብ’ዩ ብምባል ነቲ ሕብረተሰብ ከታልልዎ ከም ዘለዎም ምምይያጦም ካብቲ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ሊሒኹ ዝበፀሐና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣