Thursday, April 30, 2015

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሰበታ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ኣባላት መደረኽ ዝኾኑ ዉልቀ ሰባት ብኣካላት ፀጥታ ጉጅለ ኢህወዴግ ከም ዝተቐተሉ ተገሊፁ።



    ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ኣባላት ተቓዋሚ ዉድብ መድረኽ ዝኾኑ ሰባት ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ዝበፅሖም ዘሎ ምፍርራሕ ከይኣክል ከተማ ፍፎ ዝተብሃለ ኣባል መድረኽ ዝኾነ ዉልቀ ሰብ ብ12 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ስዓት 2 ናይ ምሸት ናብ ስርሑ ይንቀሳቐስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብኣካላት ፀጥታ ኢህወዴግ ከም ዝተቐተለ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
    መቕተሊ ምኽንያት ናይዚ ወገን ድማ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ኣከፋፍላ ግብሪ ዝኽተሎ ዘሎ ኣሰራርሓ ብትሪ ይቃወም ብምንባሩ ጥራሕ ኣብ ዓይኒ ፅልኢ ናይቲ ጉጅለ ብምእታው ክቕተል ከም ዝኽኣለ ድሕሪ ምግላፅ እዚ ከምዚ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ተቓለስቲ ሰባት ዝዉሰድ ዘሎ ግፍዓዊ ቅትለት እቲ ስርዓት እናቐፀለሉ ምምፅኡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።