Wednesday, April 29, 2015

ኣብ ሰሜን ወሎ መርሳ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣባላት ፖሊስ ጉጅለ ኢህወዴግ ምስ ሕብረተሰብ ብዝፈጥርዎ ዘለዉ ባእሲ ይቕተሉ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም።



    ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ፍሉይ ቦታ መርሳ ኣብ ዝተብሃለ  ብ12 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ኣቶ ሙሓመድ ዓሊ ዝተብሃለ ዉልቀ ሰብ ምክትል ሳጅን ከበደ ኣበጀ ንዝተብሃለ ኣባል ፖሊስ ኣብ ስርሑ ዕንቅፋት ስለ ዝኾኖ ሒዝዎ ብዝነበረ በትሪ ርእሱ ወቒዑ ከም ዝቐተሎ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
   ሙሓመድ ዓሊ ነቲ ፖሊስ ክቐትሎ ዝኸኣለ ኣብ ልዕሊ ነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ከቢድ ግፍዒ እናፈፀመ ክዕዘቦ ከም ዝፀነሐን በቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ድማ ኣብ ዕዳጋ ስርሑ ከየሳልጥ ዕንቅፋት ስለ ዝኾኖ ቀቲልዎ ካብቲ ከባቢ ከም ዝተሰወረ ድሕሪ ምግላፅ፣ መላእ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍዐኛ ፖሊስ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ምስ ፈለጠ ካብ’ቶም ቡዙሓት ፀላእትና ሓደ ተኣልዩ ብምባል ሓጎሱ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።