Thursday, April 30, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ፤ ዞባ ሰሜን ጎንደር ዝርከቡ ናይ ብኣዴን ኢህወዴግ ኣመራርሓ ህዝቢ ኣይመርፀናን ዝብል ስግኣት ስለ ዝሓደሮም መታለሊ መብፅዓታት ይኣትዉሉ ምህላዎም ተሓቢሩ።



በቲ ዝበፅሐና ሓበሬታ መሰረት ናይ ብኣዴን/ኢህወዴግ ኣመራርሓ ኣብ ክልል ኣምሓራ፤ ዞባ ሰሜን ጎንደር ዝርከብ ህዝቢ ብዕዳ መዳበርያ ተማሪሩ ከም ዘሎ ስለ ዝተረድኡ ስረኹም ብኽሳድኩም ኣውፅእዋ እናበልዎም ከም ዘይፀንሑ ሕዚ ብርክት ዝበለ ተቓውሞ ስለ ዘጋጠሞም ዝወሰድኩምዎ ዕዳ መዳበርያ ቀስ ኢልኩም ንቐፃሊ ዓመት ክትከትፍልዎ ኢኹም ብምባል ኣብ መፃኢ ወርሒ ግንቦት ተመሪፆም ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ናይ መታለሊ ስልቲ ይጥቀሙ ከም ዘለው ተገሊፁ።
   ናይ ኢህወዴግ ተንኮል ዝተረደአ ህዝቢ በዚ ተታሊልና ንዓኹም ኣይንመርፅን ዕድመ ስልጣኩም ንምንዋሕ እትብልዎ ዘለኹም ተራ ሃለውለው እምበር እንተሓሊኹም ስለምንታይ እቲ ዕዳ ዘይትስርዝዎ ብምባል ከም ዝተቓወሞም ተፈሊጡ።