Friday, June 12, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ሕፅረት ዘይትን ሽኮርን ብሰፊሑ ስለ ዘጋጠመ ነበርቲ ንኽፍታሓሎም ዘቕረብዎ ተደጋጋሚ ጥርዓን ኣወንታዊ ምላሽ ከም ዘይረኽቡ ተፈሊጡ።



ብመስረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ዝነብሩ ዜጋታት ብሕፅረት መዓልታዊ ጠለባት ከም ዘይትን ሽኾርን  ይሳቐዩ ስለ ዘለዉ ነዚ ፍታሕ ንኽግበረሎም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከቕርብዎ ዝፀንሑ ጥርዓን  ዛጊት  ፍታሕ ዝህብ ከም ዘይረኸቡ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ካብ’ቶም  ብሰንኪ ሕፅረት እዞም ሃለኽቲ ጠለባት ዝሳቐዩ ዘለዉ ነበርቲ ድማ ናይ ከተማታት ፍኖተ ሰላምን ናይ ባህርዳር ፍሉይ ዞባ  እንትኾና  ናይ’ዘን ከተማታት ዝምልከቶም ሰበስልጣን እንተኾኑ’ውን ተስፋ ካብ ምሃብ ሓሊፎም ዘተግበርዎ ጭቡጥ ነገር ከም ዘየለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
      እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ኣብ ኩሎም ዞባታት ከም መማረፂ እናተብሃሉ ዝቐርቡ ናይ ዘይትን ሽኮርን ቀረበ እንተኾኑ’ውን  ኣብ ምክፍፋል  ንኣባላትን ካደረታትን ብኣዴን/ኢህወዴግ  ሰብ ድኳናትን ከም ዝዕደል ድሕሪ ምግላፅ  ብተቓወምቲ ንዝጥረጠሩን ካልኦት ድኻታትን ወገናትና ግና ፈፂሙ ስለ ዘይዕደል  ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዝወደቑ ኣፍሊጡ።