Saturday, June 6, 2015

ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቱ ሙሉእ ብሙሉእ ንተቓውሚ ውድብ መድረኽ ስለ ዝመረፁ ካድረታት ገዛኢ ስርዓት ነቲ ሳንብቑ መንዚዖም ከም ዝወሰድዎ ተፈሊጡ።



ኣብ ክልል ኦሮምያ  ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ መቱ  ኣብቲ  ብ16 ግንቦት 2007 ዓ/ም ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቕሞም ሙሉእ ብሙሉእ ንተቓወሚ ውድብ መድረኽ  ከም ዝመረፁ  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  በዚ ዝሰበዱ ካድረታት እቲ ስርዓት  ነቲ ኮረጆ ሰሪቖም ክወፁ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን እቶም ተምሃሮ ድማ ድምፅና ብኣግባቡ ይቆፀር ኣይትመንዝዑና ብምባል ካብቲ ግቢ ከይወፁ ስለ ዝኸልከልዎም። እቶም ካድረታት ድማ ብዘንብዕ ጋዝን ተኹስን ተጠቒሞም ብሓይሉ ከም ዝወሰድዎ  ምንጭታታና ገሊፆም።
     ኣብቲ ን5 ግዜ ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ድምፂ ህዝቢ ዝሓዘ ኮረጆ ናይ ምስራቕን ምቕያርን ተግባር ኣብ ዩኒቨርስቲ መቱ ጥራሕ ዘይኮነሰ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ኣስነዋሪ ተግባር ምንባሩ ንተዓዘብትን ፖለቲከኛታትን መሰረት ብምግባር ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና ካብ መጀመርያ ኣትሒዘን ክሳብ ሕዚ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከባ ይፍለጥ።