ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፤ ከተማ ሑመራ ሰፊሮም
ዝርከቡ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝተዋፈርሉ
ስራሕ ንጎኒ ገዲፎም ፀልማትን ፅምዋን ጉልባብ ገይሮም ደቂ ኣንስትዮ ምዕማፅ፤ ንብረት ህዝቢ ምስራቕን ምግፋዕን ልሙድ ተግባሮም
ኮይኑ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግልፅ ብፍላይ ዲማ ኣብ
ዝተብሃለ ቦታ ዘለዉ ብኮማንዶ ዝፍለጡ ወተሃደራት ኣዛዚ ዝኾነ ሓለቓ ሚኢቲ ታፈሰ ዝተብሃለ ንሓንቲ ሃይማኖት ንዝተብሃለት ጓልኣንስተይቲ
ብሽጉጥ ኣፈራርሑ ናብ ገዝ ብምእታዉ ከም ዝዓመፃ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ናይ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣባላት ኮማንዶ
ዝኾኑ ፀጋይ፤ ዳኒኤልን ሓደ ንግዚኡ ሽሙ ምስ ዘተፈልጠ ሰለስቲኦም
ብምዃን ናብታ ከተማ ብምእታዉ ይበልጣል ንዝተብሃለ ወናኒ ሆቴል ዝሓተትዎ ዉልቃዊ ረብሕኦም ስለ ዘየማልኣሎም ዝሰኸሩ መሲሎም ብበትሪን
ጥርሙዝን ቀጥቂጦም ኣብ ኣፍደገ ሆቴሉ ደርብየሞ ከም ዝሃደሙ ተፈሊጡ።