ህዝቢ ከተማ ጎንደር ንሕና ደለይቲ ለዉጢ ስለ
ዝኾና ከማሓድሩና ዝመረፅናዮም ዉድባት መድረኽን ሰማያዊን እናሃለዉ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ግን ስልጣኑ ተጠቒሙ ድምፂ ህዝቢ ሰሪቑን
ኣጭበርቢሩን ኣብ ኣደባባይ ወፂኡ ነተቓወምቲ ስዒረ ተዓዊተ ምባሉ ኣይንቕበሎን ብምባል ልዕሊ 4ተ ሽሕ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ዝተሳተፈሉ
ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ብ25 ግንቦት 2007 ዓ/ም ምክያዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ተቓዉሞ ሰልፊ ኢህወዴግ ግዝያዊ 83%
ድምፂ ኣብ ከተማ ጎንደር ረኺበ ኢሉ ንዝለጠፎ ሓበሬታ ስዒቡ ዝተኻየደ ኮይኑ ሰልፈኛታት ካብ ዘቃልሕዎ ዝነበሩ ጭርሖ “ንሕና ንተቓወምቲ
እምበር ንኢህወዴግ ኣይመረፅናዮን፤ ድምፂ ህዝቢ ዝሰረቑ ካድረታት ገዛኢ ክሕተቱ ኣለዎም” ዝብሉን ካልእን የቓልሑ ዝነበሩ እንትኾኑ
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ድምፁ ዝተሰረቐ ህዝቢ ብገዛኢ ስርዓት ተሰሪቕና ኣብ ዝብለሉ ሰማዒ ምስኣኑ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ደጋግምና ክንገልፅ ምፅናሕና ይፍለጥ።