Sunday, June 7, 2015

ካድረታት ብኣዴን/ኢህወዴግ ኣብ ህዝቢ ዘለዎም እምነት እናንቆልቆለ ስለ ዝመፀ ኣብቲ ክልል ዝርከባ መንግስታዊ ትካላት ብፍሉያት ሓይሊ ክሕለዋ ይገብሩ ከም ዘለው ተገሊፁ።



    ከም ሓበሬታ ምንጭታትና እቲ ብ16 ግንቦት 2007 ዓ/ም ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ በቲ ዝተገለፀ ግዝያዊ ውፅኢት ከም ዘይዓገበን ድምፅና ተሰሪቕና ብምባል ይገልፅ ብምህላው ካድረታት ናይቲ ክልል ድማ ህዝቢ ናዕቢ ከልዕል ይኽእል እዩ ዝብል ከቢድ ስግኣት ስለ ዘለዎም እተን ኣብቲ ክልል ዝርከባ ከም ሱር ኮንስትራክሽን፤ ባንክታት፤ ቴሌን ካልኦትን ዝኣመሰላ ጨናፍር ትካላት ብሕጋዊ ተቖፂሮም ክሕልዉ ዝፀንሑ ዋርድያታት እናባረሩ ፍሉይ ሓይሊ እናተብሃሉ ብዝፍለጡ ዕጡቛት ክሕለዋ ይገብሩ ከም ዘለው ተገሊፁ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ብዕጡቛት ሓይልታት ኣቢልካ ህዝቢ ዓመፅ ንከየልዕል ዝግበር ናይ ሓለዋ ምጥንኻር ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ውሽጢ ውሽጢ ይስረሐሉ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።