ካድረታት ህወሓት ንመላእ ህዝቢ ትግራይ በቢ ከባብኡ ኣኪቦም “ኣብ
መፃኢ 5ተ ዓመት ብኢህወዴግ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ብዝብል ኣጀንዳ ዝተፀሓፉ ወረቃቕቲ ኣዳልዮም፣ ህዝቢ ስርሑ ገዲፉ ኣብ ኣኼባ ንኽውዕል የገድድዎ ምህላዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እንተኾነ ህዝቢ "እዚ ፅሑፍ
ተዳልዩ ዘሎ ንናሃትኩም ኣወንታ ጥራሕ ዝገልፅ’ምበር ነቲ ዘዓበየ ድኹም ጎኒኹም ዝጎሰየ እዩ። ነዚ ክንመያየጥ ግዜና ክነጥፍእ ኣይግባእን
ብምባል ከም ዘይተቐበሎን ተቓውሞኡ የስምዕ ከም ዘሎን ተፈሊጡ።
ብፍላይ ነበርቲ ከተማ ኣኽሱምን ዓድዋን እቲ ተዳልዩ ዝቐረበ ፁሑፍ "ቁንጣሮ ኣወንታዊ ስራሕኹም ሰማይ ኣብፅሑ
ዝገለፅ’ምበር፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈፀምኩሞ ብዘይ ኣገባብ መሬት
ምምንጣል፤ ብግዕዝይና ምጥልቃይኩም፤ ፍትሒ ፈፂሙ ምሕቓቑ፤ መሰረተ ልምዓት ዝብሃል ምስ ዕድመ ስልጣን እቲ ውድብ ፍፁም ዘይሳነ
ምዃኑ፤ ኣብ ዕድመ ስልጣን ህወሓት ኢህወዴግ ንባዕልኹምን ቤተሰብኩምን
ጠቕምኩም’ምበር ንህዝቢ ኣይረብሓኹምን" ብዝብል ኣብቲ ኣኼባ ሓያል ተቓዉሞ ከም ዘጋጠመን ክሳብ ኣኼባ ምፍራስ ከም ዝበፀሐን
ተገሊፁ።
ብሰንኪ ዝተለዓለ ተቓውሞን ዕግርግርን እቲ ኣኼባ ክቕፅል ስለ ዘይከኣለ፣
ነዚ ንምርግጋእ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ዝኾኑ ኪሮስ ቢተውን ቴድሮስ ሓጎስን ብ2 ነሓሰ 2007 ዓ/ም ኣብ ክልትኡ
ከተማ ምንቅስቓስ የካይዱ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ፣ ከምኡ'ውን ኣብ
መበል 12 ጉባኤ ህወሓት ዝሳተፉ ሰባት ካብ ሕድ ሕድ ጣብያ ሓደ ሓደ ሰብ መልሚሎም ከምዘዳለው እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።