Thursday, August 20, 2015

ኣብ ከተማ ነቀምቴ ብርክት ዝበሉ ዲያስፖራ ናብ'ዛ ከተማ ክኣትዉ እዮም ብምባል ንኣስታት 400 ሰብ ዝኣክል ተባሒሎም ዝተታሓዙ ሆቴላት፣ ክንድቲ ዝተብሃለ ሰብ ብዘይምምፅኡ ሰብ ዋና ሆቴላት ንክሳራ ምቅልዖም ተገሊፁ።



     ካድረታት ኢህወዴግ ንነበርቲ ከተማ ነቀምቴ ኣኪቦም ልዕሊ 400 ዝኣኽሉ ዲያስፖራ ክኣትዎ እዮም ብምባል፣ ክዳሎ ዝገብርዎ ሆቴላት ክድቲ ዝበልዎ በዝሒ ክኣትዉ ስለ ዘይክኣሉ፣ ሰብ ዋና ትካላት ኣጋይሽ ክመፁ ኢሎም ዘዳልዎ ምግብን መስተን ይኹን ዘዳልዉዎ መደቅስን ጠለብ ክረኽብሉ ስለ ዘይከኣሉ ንክሳራ ከም ዝተቓልዑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
      ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ብሚድያታት ደጋግሞም ቁፅሪ ዲያስፖራ ብምግናን ንመሸቐጢ ፖለቲካ ክጥቀሙሉ ዝፀንሑ እምበር ኣብ ባይታ ክንድቲ ዝብልዎ  ሰብ ከም ዘይረኸብሉ እንተኾነ ግን ብሽም ዲያስፖራ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ንምምንዛዕ ዝጥቀምሉ ዘለው ምኳኖም ህዝቢ ስለዝፈለጠ በቲ ተግባር የማርር ከምዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።