Thursday, August 20, 2015

ኣብ ዘይምልከቶም ኣብ ጎረቤት ሃገር ሶማልያ እናተላኣኹ ዝሃልቁ ዘለዉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ እዋን ናብ እዋን ቁፅሮም እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ከብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



እቶም ኣብ ሃገረ ሶማልያ ዝሃልቑ ዘለዉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ቁፅሮም ካብ እዋን ናብ እዋን ይወስኽ ኣብ ዘለሉ ቤተሰብ ናይ'ቶም ዝሞቱ መዓልታዊ ብቴሌፎን  መርድእ ይበፅሖም ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ክልል ኦሮሚያ “ስለ ምንታይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ሞት ደቅና  ዝሓብኣና  ብስሩዕ  ዘይነገረና፤  ብመስረቱ  ደቅና ናብ  ጎረቤት ሃገር ሶማል ከይዶም ዝሃልቁ ዘለዉ ንምንታይ ዕላማ እዮም?  ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኽፈልጦ ብንፁር ዘይንገሮ ብምባል  ጥርዓናት የቕርቡ ምህላዎም ተፈሊጡ።
       ይኹን እምበር ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ብሽም ኣልሸባብ ንምጥፋእ ብዝብል  ካብ ሃያላን መንግስታት ዝግሕጥዎ ዶላራት እንተዘይ ኮይኑ ነቲ ኣብ ዘይሃገሩ እናተላኣኸ ብዛዕባ ዝሃልቕ ዘሎ መንእሰይን ስድርኡን ፈፂሙ ኣይግድሶምን  ክብሉ ስድራ ግዳያትን ብዙሓት ምሁራት ሃገርና ሪኢቶም ይገልፁ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
ብተመሳሳሊ ሓደ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣብ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ ዝነበሩ ወለዲ ወዶም ኣብ ጎረቤት ሃገር ሶማሊያ ተላኢኹ ከም ዝተሰወአ ምስ ተነገሮም ዉላዶም ብምንታይ ምኽንያት ናብ ሶማሊያ ከይዱ ተሰዊኡ ኢሎም ምሕታቶም ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዜናና ምቕራብና ይፍለጥ።